ትግርኛ

Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv (ትግርኛ)

ሓጺር መግለጺ ብዛዕብ እዚ ፕሮጀክት።

Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv ኔትዎርክ ወይ ድማ ማሕበር ናይ HIV
ዝተጠቕዓ ደቀንስትዮ አብ ሃገር ሽወደን ዩ’፡፡ ዕላማ ናይዚ ማሕበር ናብተን
ብ HIV ዝተተቕዓ ደቀንስትዮን ናብ ማሕበረሰብ ብዛዕባ HIV ፍልጠት ንምዝርጋሕ ዩ’።
ዝኾነት ጓል አንስተይቲ ናታ ውልቃዊ ወይ ውን ናይ ማሕበረሰብ አፍልጦ ብዛዕባ HIV ክተዕቢ እትደሊ አብዚ ማሕበር ክትሳተፍ ትክእል እያ።
እዚ ማሕበር (ኔትዎርክ) አብ 2015 ንምምስርታ ተበግሶ ዝወሰዳ ኽልተ ብHIV ዝተጠቅዓ ደቀንስቶ ዩ’። እዘን ኽልተ ደቀንስትዮ
ብዛዕባ ናይ ደቀንስትዮ ሕማም HIV አብ ሽወደን ንHIV ብዝምልከት ብዙሕ አቃልቦ ይወሃብ ብዘይምንባሩ ሕጉሳት አይንበራን።
እዚ ፕሮጀክት አብ መጀመርያ ብ Karolinska Institutet (KI) ይመሓደር ኔሩ። ካብ 2017 ግና ብ Posithiva Gruppen (PG) Stockholm ይመሓደር አሎ።

እዚ ማሕበር እንታይ ይገብር?
Kunskapsnätverk för kvinnor som lever med hiv በዓላት፣ ምሸታዊ መደባት ፡ ሓሳብ ትለዋወጠሉ ዎርክሾፓት የዳሉ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታት አብ ስቶክሆልም የካይድ። ከምኡውን ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ አብ ኩሉ ቦታት ሽወደን ተመሳሳሊ ከነዳሉ ንክእል። አብቲ አብ ስቶክሆልም ዝዳሎ ንጥፈታት ክትሳተፍ ምስትደልትዩ እሞ ድማ ንመገሻ ዝኸውን ቁጠባ ምስዝሓጽረኩም ምስቲ ነቲ ንጥፈታት ዘዳሉ አካል ተራኸቡሞ ዝከአል እንተኾይኑ ፍታሕ ንምርካብ ክፍተን ይኸአል። አብዚ ማሕበር ዝግበር ንጥፈታት ንምስታፍ ካብ ክፍሊት ነጻ ዩ’።

እዚ ማሕበር ናቱ ናይ ሓበሬታ መርበብ www.kunskapsnatverk.se ዝብል አለዎ። አብቲ መርበብ እንታይ ዓይነት ምሸታዊ ንጥፈታ ተዳልዩ ከምዘሎ፣ አገዳሲ ዜናታ፣ ከም ኡውን ብዝዕባ ብHIV ንዝተጠቅዓ ደቀንስትዮ እንታይ ዓይነት መሰላት ከምዘለወንን ካልእ ሓበሬታታት ኽረኽባ ይኽእላ። እዚ ማሕበር Facebook ከምኡውን Instagram ይጥቀም ዩ’።

እዚ ማሕበር አብ ምንታይ አርእስታት ይሰርሕ?
ንአብነት እዚ ማሕበር ካብ ዘልዕሎም አርእስቲ ብዛዕባ ሳዕቤናት ናይ መድሃኒት፤ እርጋን፡ መሰላት፡ ርክባት፣ ተነጽሎታትን ምንባርን ይርከብዎም።

ናይ መዛረቢ ዛዕባ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎን አየናይ አርእስቲ ብማሕበር ደረጃ ንክዝረበሉ ሓሳባት
ዘቕርባ እተን ደቀንስትዮ አብዚ ማሕበር ዝሳተፋ እየን። እንተ ደኣ ጓል አንስተይቲ እሞ ድማ ብHIV ዝተጥቕዕኪ ኮይንኪ ናይ
መዛረቢ አርእስቲ ከም ሓሳባት ምስ ፕሮጀክት ግሩየን (Projekt Gruppen) ተዘራርብኪ ከተቕርቢ ትክእሊ። ከምእውን ብናይ
ማሕበርና ፎርም (ቋንቋ ሽወደንን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ) አቢልኪ ክትሰዲ ትኽእሊ።

ክትረኽቡና ምስትደልዩ
ብዛዕባ ፕሮጀክታትና ሕቶታት እንተለኩም ወይ እውን ምስ ፕሮጀክት ግሩፕ (Projekt gruppen)
ብ info@kunskapsnatverk,se ወይ ውን ብተለፎን ቁጽሪ 070 – 040 77 81 ክንክትረኽቡና ትኽእሉ። ደብዳቤ
ክትልእኹልና ወይ ብኣካል አብ ቤት ጽሕፈትና ክትመጹ ምስትደልዩ አድራሻና Östermalmsgatan 5, 114 24 Stockholm.

 

ዝግበአካ መሰላት

ብዛዕባ HIV ሕኽምና
HIV positiv እንተኽይንካ/ኪ ምስ HIV ምትሕልላፍ ዝተተሓሓዘን ብነጻ ምስ ዶክቶር ክትራኸብ፡

ዘድሊ ምርመራታትን ሕክምና ክግበረልካ/ኪ ሙሉእ መሰል አለካ/ኪ። ንሕኽምና ናይ ኻልእ ሕማማት እንተኮይኑ ግና ነጻ አይኮነን። አብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሓኪም አብ ትከደሉ ዋን እቲ patientavgift ዝበሃል ክፍሊት ባዕልካ ኢኻ ትኸፍል። ምትሕልላፍ ናይ HIV ንምቁጽጻር (ወይ ንምቕናስ) ተባሂሉ ሓኪም ዝአዘዘልካ/ኪ መድሃኒ እውን ነጻ ዩ’። ከምኡ እውን HIV እንተለካ ናይ ኽኢላ ሓገዝ (ምስ psykolog ወይ ምስ kurator ንክትዘራረብ) ብነጻ ይፍቀደካ።

እንድሕር ደአ HIV አለካ ኮይኑ አብ መዓልታዊ ናብራኻ ክትፍጽሞም ወይ ክትገብሮም ዘይብልካ ነገራት (förhållningsregler) ብሓኪምካ ሕጋዊ መመርሒ ይወሃበካ።

እቲ ብሓኺም ዝተነገረካ ክትፍጽሞም ወይ ክትገብሮም ዘይብልካ ነገራት (förhållningsregler) እንተዘይተቀቢልክዮ ብመሰረት smittskyddslagen kapittel 4 § 3 ናብ ላዕለዋይ አካል ክትከስስ (ክትጠርዕ) ትኽል። ንአብነት እንድሕርደኣ ሕክምና ብጉቡእ ትከታተል ኾይንካ ንሓኪምካ ካብቲ ግዴታዊ ምሕባር (informationsplikten**) ዝብል ሕጊ ነጻ ክገብረኪ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ሕጽር ብዝበለ

  • ኩሉ ሕክምናታትን መድሃኒትን  HIV ዝምልከት ነጻ ዩ።
  • አብቲ ክትክተልዮ ዘለኪ ሕጋዊ አነባብራ ለውጢ
    ክግበርልኪ ምስ ትደልዪ ምስ ሓኪምኪ ተዘራረቢ።

 

**ግዴታዊ ምሕባር (informationsplikten) ማለት ጾታዊ ግብረ ስጋ ቅድሚ ምፍጻምካ ናይ
ግድን ነቲ ካልአይካ HIV ከምዘለካ ክትሕብ ሮ አለካ።

ምንጪ። Medibase, Hiv-Sverige/RFSL, smittskyddslag(2004:168)

 

ንሓፈሻዊ ሕክምና ዝምልከት
ምስ HIV ዝየተተሓሓዘ ካልእ ሕክምናዊ ግልጋሎት ምስ ዘድሊ ናብቲ ከባቢኻ ዘሎ ሓለዋ ጥዕና (Vårdcentral) ኢካ ትኸይድ።

ነፍስወከፍ እዋን ናብ እንዳ ሓለዋ ጥዕና (Vårdcentral) ወይ (Öppenvård*) አብትኸደሉ እዋን ዝኽፈል ገንዘብ አሎ። እቲ ክፍሊት ከከም ዓይነት እንዳ ሓለዋ ጥዕና (Primärvården, akutvården eller specialvården) ክፈላለ ይኽእል ዩ’።

አብ ስቶክሆልም አብ ኢመርጀንሲ (Närakuten) ወይ አብ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና (Vårdcentral)
200 kr ትከፍል። አብ ናይ ሆስፒታን ኢመርጀንሲ (Sjukhusens Akutmottagning) ግና 400 kr ትኸፍል። ንዝልዓለ (Specialistmottagning) ድማ 350 kr ትኸፍል።
ካብ ስቶክሆልም ላንድስቲንግ (Landsting) ወጻኢ ትቕመጥ እንተኾይኒ ግና እቲ ዝክፈል ገንዘብ ክፈላለ ይኽእል ዩ’።

ነፍሲ ወከፍ አብ ሓለዋ ጥዕና ገንዘብ አብ ትኸፍለሉ እዋን እቲ ዝከፈልካዮ ገንዘብ
አብ ዳታ(Elektronisk) ይምዝገብ ዩ። እንድሕር ደአ እቲ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ አብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 1100
kr በጺሑ ”Frikort” ይወሃባካ። ካብ እታ መዓልቲ እቲአ ድማ እቲ ናይ ሓደ
ዓመት ነጻ ካብ ክፍሊት ዝበሃል (högkostnadsskyddet) ይጅምር።

እንድሕር ደአ Frikort አለካ አብ ኩሉ መደበር ጥዕና ምስ ሓኺምካ ንኽትራከብ ንሓደ ዓመት ካብ
ክፍሊት ነጻ ትኸውን። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ Frikort አብዚ ጽቀጥ።

ከሙአዉን ብሓኪም ንዝእዘዘልካ መድሃኒት ጥራሕ አብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንስኻ/ኺ ትኸፍሎ ዝልዓለ ገደብ
(Högkostnadsskydd för läkemedel, (mediciner)) አለዎ። እቲ ገደብ (Högkostnadsskydd för läkemedel,)
2200 kr ኮይኑ እንድሕር ደአ እቲ ገደብ በጺሕካዮ ካቡ ንኔው ንሓደ ዓመት ኩሉ ብሓኪም ዝእዘዘልካ መድሃኒ ብነጻ ይውሃበካ። እታ ዓመት ድማ ናጻ ናይ መድሃኒ ዓመት (Högkostnadsperiod) ትበሃል።

አብ ኩፉት ሓለዋ ጥዕና (Öppenvård) እውን ገንዘብ ዘይክፈሎም አለዉ። ንአብነት

  • ምስ ጥንሲ ሕርሲ ዝተሓሓዝ ናይ አዴታት ሕክምና (mödravård) ከምኡ ድማ ንሕጻናት
  • (barnavårdsmottagningar ) (MVC och BVC) ዝምልከት።
  • ምርመራ ናይ ደቀንስትዮ ጡብ ዝምልከት (Mammograiscereening) አብ ክሊ ዕደም 40 – 74 ዓመት ዘለዋ።
  • ናይ አብያተ ትምህርቲ ሕክምና (skolhälsovård), ከምኡ እውን ኽትባት።
  • ንቆልዑን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት (ዝበዝሕ ስጋዕ 20 ዓመት ዝመልኡ)።
  • ንሽማግለታት ልዕሊ 85 ዓመት።

ንምጥቕላል

  • እቲ ዝውቱር ናብ ሓኪም አብ ትኸደሉ እዋን 200 kr ትኸፍል።
  • ንዓመት ካብ 1100 kr ንላዕሊ ናይ ሓኪም መመርመሪ አይትኸፍልን።
  • ንዓመት ካብ 2200 kr ንላዕሊ ንሓኪም ዝኣዘዘልካ መድሃኒ መዕደጊ አይትከፍልን።
  • ናይ ሕጻናት ( barnmorskan ) ንነፍሰጾራት ዝወሃብ ሕክምና ካብ ክፍሊት ነጻ  ከምኡ ድማ ናይ
  • ሕርሲ (Förlossning) ሕክምና ነጻ ዩ።

 

*Öppenvård – ማለት ልዕል ዝበለ እንዳ ሓለዋ ጥዕና ኮይኑ ግና ከም ናይ ሆስፒታል ምድቃስ ዘየድልዮ ዓይነት ሕክምና ዝወሃቦ
ቦታ ዩ’።

ምንጪ፡ www.1177.se (1, 2, och 3)

 

ናይ ኣዴታት ጥንስን ሕርስን ሕኽምና
HIV ዘለዎም ወለዲ ቆልዓ ክወልዱ ጸገም የብሉን። ሓንቲ ነፍሰጾር እሞ ድማ ሕኽምና ናይ HIV ዝይትከታተል እንተኾይና HIV ናብቲ ዝውለድ ቆልዓ ክመሓላለፍ ይኽእል ዩ።

እታ አደ ጽቡቅ ሕክምና ብጉቡእ ትከታተል እንተ ኮይና HIV ናብ ውልዳ ናይ ምሕላፍ ዘሎ
ዕድል አዝዩ ውሑድ ዩ። እንድሕር ደአ እታ HIV ዘለዋ ወላዲት ቕድሚ ሕጂ ሕክምና ዘይጀመረት ኔራ ኮይና አብ መበል 14 – 18 ናይ ጥንሲ ሰሙን Profylax ዝተባህለ መድሃኒ ክትወስድ ትጅምር አለዋ።
እንድሕር ደአ ቕድሚ ጥንሲ ሕክምና ብጉቡእ ትወስድ ኔራ ግና ከም ቀደማ ሕክምንአ ትቕጽል።

አብ ግዜ ጥንሲ ትመላለሶ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና ”barnmorskemottagning”
ወይ”mödravårdscentral” (MVC) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነፍሰጾር አደ አብ ግዜ ጥንሲ ብዙሕ ግዜ ናብ MVC እንዳተመላለሰት ኮንትሮል ክትገብር መሰል አለዋ። ናይ መጀመርያ ኮንትሮል አብ መበል 6 -12 ሰሙን ናይ ጥንሲ ይጅምር። ካብኡ ንንየው ስጋዕ መበል 20/25 ናይ
ጥንሲ ሰሙን ሓደ ግዜ ንወርሒ ይኸውን፣። ካብ መበል 30 ሰሙን ናይ ጥንሲ ንንየው ድማ
አብ ክልተ ሰሙን ሓንሳእ ኮንትሮል ትገብር።

አብ መበል 18 – 20 ሰሙን ናይ ጥንሲ መጀመርያ ብነጻ ናይ Ultraljud ምርመራ ይግበር። ማሕበራዊ ሓገዝ (Socialt stöd) እንተአድለየ ምስ ከማኺ ነፍሰጾራት መታን ኽትራኸቢ ነታ ነርስ ኽትውከስያ ትኽእሊ ኢኺ።

አብ barnmorskemottagningen ዝክፈል ገንዘብ የለን። አበየናይ barnmorskemottagningen
ኽትመላለሲ ትደልዪ ናትኪ ምርጫ ኮይኑ ግና ቦታ እንተለዎም ዩ’።

በቲ barnmorskemottagningen ዕግበት እንተዘይብልኪ ኮይኑ ናብ ካልእ
barnmorskemottagningen ክትቕይሪ መሰልኪ ዩ’።

እንድሕር ደኣ HIV አለኺ ክይኑ እሞ ድማ ነፍሰጾር እንተኾይንኪ አብ ግዜ ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ተወሳኺ ምክትታል ይግበረልኪ ።
እቲ ጉጅለ ሓካይም ብ infektionsläkare, gynekolog, barnläkare, barnmorska och kurator ዝቖመ ንዓኽን ነቲ ዝውለድ ሕጻንን ሕክምናዊ ምክትታል ይገብርልኩም። አብ ስሰለስተ ወርሒ መጥን ዓቀን ናይ ቫይረስ
ይግበሩልኪ። ከምኡ ድማ ቕድሚ ሕርሲ።

ዕላማ ናይቲ ምዕቃን መጠን ናይ ቫይረስ ንምቕናስ ወይ ናብ 50 kopior/ml
ደው ንምባል ዩ’። ዝበዝሓ HIV ፖሲቲቫ አዴታት በቲ ልሙድ ክሓርሳ ይመርጻ። እንድሕር ደአ ጽቡቕ ሕክምና ትገበር ኔራ
ወይ ድማ ኢንድሕር ደአ HIV / – RNA ትሕቲ 50 kopior/ml
ኮይኑ እታ አደ በቲ ልሙድ ንክትሓርስ ንላበዋ።
መጥባሕቲ (operation) እንተ ተደልዩ እውን ይፍቀድ ዩ። እንድሕር ደአ እቲ HIV- RNA ልዕሊ 50 kopior/ml
ኮይኑ ግና አብ መበል 37 – 38 ሰሙን ናይ ጥንሲ ብመጥባሕቲ ንክትሓርስ ንላበዋ።

አብ ሽወደን HIV ዘለወን አዴታት ንውላደን ከጥቡባ አይፍቀድን። ባዝዕባ እዚ ዝምልከት አብ ናይ ተመሓላላፊ ሕማማት አብ
ዝብል ጽሑፍ ብፍላይ ሓበሬታ ንሕሙማት ብዛዕባ HIVታብ ዝብል ሰፊሩ አሎ።

እንድሕ ደአ ቆልዕ ክትወልዱ ደሊኹም ግና ጥንሲ እንተ አበየኩም ወይ እታ ጓል አንስተይቲ ብጾታዊ ግብረ ስጋ ክትጠንስ
እንተዘይደልያ ካልእ አማራጺ አሎ። ንአብነት ናይ ሓኪም ሓገዝ
heminsemination ዝበሃል ክትጥቀም ይከኣል ዩ’፣። እንድሕር እታ ጓል አንስተይቲ
HIV ዘይብላ ኮይኑ ግና እቲ ብጻያ HIV ዘለዎ ኮይኑ provrörsbehandling och spermatvätt ክገብሩ
ይኽእሉ። አብ ሽወደን እታ ጓል አንስተይቲ እንድሕር ደአ HIV አለዋ
ኮይኑ ” assisterad befruktning/IVF አይፍቀድን።

ግና አብ Reproduktionsmedicin på Karolinska Huddinge i Stockholm ናይ መጽናዕቲ
ፕሮጀክት አሎ። አብኡ ሓገዝ ክርከብ ተኽእሎታት አሎ ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይቲ መጽናዕቲ አብዚ
አንቡቡ። አብ ካልኦት ሃገራት አውሮጳ ግና IVF ን HIV ፖሲቲቫ ደቀንስትዮ ይፍቀድ ዩ። ንአብነት ዴንማርክ።

እንድሕር ደአ እታ ጓል አንስተይቲ ጥንሲ ክተቋርጾ (ክትሰድዮደልያ ናብ ሓለዋ ጥዕና ናይ ጥንሲ መስደዲ
abortmottagning ወይ ድማ ናብ ናይ ማህጸን ሕክምና gynekologisk mottagning ክትከይድ
አለዋ። ጥንሲ ክትሰድን ንከይትሰድን ውሳኔ ናይታ ጓል አንስተይቲ ጥራሕ ዩ’።

እታ ጓል አንስተይቲ ስጋዕ መበል 18 ሰሙን ናይ ጥንሲ ዘሎ እዋን ጥንሲ ክትሰድድ መሰል አለዋ። ስለምንታይ ጥንሲ ክትሰድድ
ከምዝደለየት ንዝኮነ ክትሕብሪ
አይትግደድን። ጥንሲ መስደዲ ከም ኩሉ 350 kr ይክፈል። መጥባሕቲ ወይ ዝልዓለ ሕክምና ዘድሊ እንተኮይኑ ምናልባት 200 kr ወይ 300 kr ተወሳኺ ክህልይ ይኽእል ዩ’።

ሓጺር ጹማቕ ናይዚ አብ ላዕሊ ዘሎ

  • አብዚ እዋን HIV ዘለዎም አቦ፣ አደ ወድማ ክልቲኦም ወለዲ HIV ዘይብሉ ቆልዕ ክወልዱ ይኽእሉ።
  • ብዘየገድስ እታ አደ ወይ እቲ አቦ HIV እንተለዎ HIV አብ ጥንስን ሕርስን ጸገም አየምጽእን። ኩሉ ሕክምና አብ MVC ነጻ ዩ’።
  • እንድሕር ደአ HIV ኣለኪ ኮይኑ ሓደ ኩነታት ጥዕና ዝከታተል ናይ ሓካይም ጉጀለ ይግበረልኪ። ብቕጻሊ ድማ ናይ ቫይረስ መጠን ክንደይ ከምዘሎ ይዕቀን።
  • እንድሕር ደአ ዓቐን ናይ ቫይረስ ትሕቲ 50 kopior/ml ኮይኑ በቲ ልሙድ ክትሓርሲ ትኽእሊ ኢኽ።
  • HIV ዘለዋ አደ ከተጥቡብ አይንመኽርን።
  • አብ ሽወደን HIV ንዘለዎ IVF አይፍቀድን። ግና ብግሊ ንአብነት አብ ደንማርክ ይከአል ዩ’።
    አብ ስቶችክሆም ትቕመጥ አንተኮይንካ ግና አብ ትሕቲ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ IVF-behandling ናይ ምርካብ ዕድል አሎ።
  • ስጋዕ መበል 18 ሰሙን ናይ ጥንሲ ዘሎ ግዜ ስለምንታይ ጥንሲ ትሰዲ አለኪ ከይሓበርኪ ጥንሲ ከትቛርጾ (ክትሰድዮ) ትኽእሊ።

 

ምንጪ: HivUppdate, 1177.se Internetmedicin. Bristol-Myers Squibb, Noaks Ark, Smittskyddslagen, Avgiftshandboken SLL, Smittskyddsläkarföreningen.

 

አብ ናይ ስራሕ ቦታ
ብዘየገድስ ናይ HIV ደረጃ ዝደለኻዮ
ሙያ ክትመርጽ ትኽእል። አብ ስራሕካ ንከይትሰርሕ ትኽልከለሉ ኩነታት እንተሎ ሓኪምካ ምስ ሓኪም ተላጋቢ ሕማማት (Smittskyddsläkare) ብምዝርራብ ክኽልክለካ ይክእል ዩ’። እዚ ግና ልሙድ አይኮነን፡ ብሰንኪ ኩነታት HIV ስራሕካ ደው ከተብል እንድሕር ተገዲድካ ብመሰረታ ሕጊ ናይ ተላጋቢ ሕማማት (Smittbärarpenning) ቑጠባዊ ሓገዝ ካብ Försäkringskassan ይወሃበካ።

አብ ገለ ሙያታት ከም ናይ ሚሊታርን ፖሊስን ዝአመሰሉ ቅድሚ ትምርቲ ወይ ስራሕ ምጅማርካ ናይ ጥዕናካ ኩነታትካ ፎርም ክት መልእ ትግደድ። ገለ ገለ ሃገራት HIV ንዘለዎም ሰባት ናይ ስራሕ ወረቀት አይህብዎምን። አብዚ ክተንብብ ትኽእል ናይ ገለ ሃገራት ብዛዕባ ሕግታት ናይ ቪዛ።

አብ ሽወደን ብሰንኪ ሕማም HIV ካብ ስራሕ ዓለም ወይ ካብ ስራሕ ቦታ ክትንጽለ
(diskrimineras) አይፍቀድን። እንተ አጋጢሙ ግና ምስ Diskrimineringsombudsmannen ክትራኸብ አለካ።

ሕጽር ብዝበል!

  • ብሰንኪ HIV ካብ ስራሕካ ክትስጎግ አይፍቀድን። እንተ አጋጢሙ ድማ ተነጽሎ (diskriminering) ይበሃል።
  • አብ ፍልይ ዝበለ እዋን ገለ ሰባት እቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ምስ ደም ዝተተሓሓዘ ስለዝኾነ ስርሖም ከቛርጹ ዝተገደዱ አለዉ።
    መሰል
     ናይ ካሕሳ ድማ ይህልዎም።

 

ምንጪ: Noaks Ark, Försäkringskassan, Diskrimineringsombudsmannen, The Globalbase on HIV related travel restrictions.

*

Försäkringkassan ብትግሪኛ ዝተጻሕፈ ሓበሬታ አብ መርበቦም አሎ።
ኣብኡ አቲኻ ቖጸራ ክትሕዝን ምስ ትግሪኛ ዝዛረብ ሰራሕተኛ ተራኺብካ ተወሳኺ ሓበሬታ ይኩን ብከመይ ቐጥዕታትን ከምእትመልእን ብዛዕባ ዝክፈለካ ገንዘብ ሓገዝ ክትረኽብ ትክእል ኢኻ። www.forsakringkassan.se/tigrinska

Få kunskapsnätverkets allmänna nyhetsbrev

Nyhetsbrev för kvinnor som lever med hiv

Våra verksamheter